Welcome to Our Website!

ገምጋም ኣፈፃፅማ ዓመታዊ መደባት 2002 ዓ/ም ቢሮ ህንፀት ዓቕምን ምም/ሰ/ መንግስትን ተኻይዱ

 ቢሮ ህንፀት ዓቕምን ምምሕዳር ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣብ 2002 ዓም በጀት ዓመት ክፍፅሞም ብትልሚ ሒዝዎም ዝነበሩ መደባት ኣፈፃፅማ ዝድህስስ ንኸሉ ሰራሕተኛ እቲ ቢሮ ዘሳተፈ ዓመታዊ  ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ   ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ካብ11  ክሳብ  12 ነሓሰ ተኻይዱ፡...Read More

ምፍጣር ሰራዊት ልምዓት

ሃገርና ኣብዚ ሐዚ እዋን ተመዝግቦ ዘላ ምዕባለ ምጣነን ከይዲ ዲሞክራስን ኩሉ ክርድኦ ዝኽእል ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ እዩ፡፡ እዚ ተስፋ ዋግዋጎ ብዝበለፀ ክደምቕን ሕብረተሰብ ተጠቃማይ ኮይኑ ናብራ ቅሳነት ክነብርን ተጠናኺሩ ዝኸደሉ ዕድል ምፍጣር ንፅባሕ ዘይበሃል ዛዕባ እዩ፡፡ Read More

ኣብ ቀዳማይ ረቂቕ መፅናዕቲ ዳህሳስ ሰናይ ምምሕዳር ዝምልከት ዓውደ ዘተ ተኻይዱ

ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ብብርኪ ክልል ትግራይ ዘካየዶም መፅናዕቲ ግልፂ መስርሕ ኮይኖም ክተኣታተው ኣለዎም ዝበሎም ድሌት ሕብረተሰብ ዘማልኡ መፍትሒ ሓሳባት ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ቢሮን ኣብያተ ፅሕፈትን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ብ29/11/2002 ዓ/ም ንምይይጥ ኣቕሪቡ፡፡ ...Read More

ብዛዕባ ኣመራርሓ ለውጢ ዝምልከት ስልጠና ይካየድ ኣሎ

ኣብ ኩለን ወረዳታትን ከተማታትን ቤት ፅሕፈት ህንፀት ዓቕምን ምምሕዳር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝርከቡ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ብዛዕባ እንታይነት ለውጢን ለውጢ ከመይ ከም ዝምራሕን  ተረዲኦም ነቲ ለውጢ ብዝግባእ ንምምራሕ ዘኽእል ናይ ለውጢ ኣመራርሓ/Change Management/ ስልጠና ሓላፍቲ ኩለን ወረዳታትን ከተማታትን ኣብያተ ፅሕፈት ህንፀት ዓቕምን ምምሕዳር ሰራሕተኛታት መንግስትን ከምእውን ናይ ኩለን ዞባታት መማኽርቲ ህንፀት ዓቕምን ብሓፈሻ ከባቢ 52 ሰልጠንቲ ዝተሳተፍሉ ስልጠና ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ድምፂ ወያነ ትግራይ መኣከቢ ኣዳራሽ  ካብ ኢንስቲትዩት ኣመራርሓ ስራሕ ትግራይ ብዝመፁ ሰብ ሙያ ስልጠና ብዕለት 30/9/2002 ዓ/ም  ሰዓት 3 ንጉሆ ብድምቀት ተጀሚሩ። ፡፡...Read More

 

ኣብ ክልልና 8ይ ማእኸል ኣይሲቲ ንማሕበረሰብ ተመሪቑ

ኣብ ከተማ መቐለ 2ይ ኣብ ክልልና ድማ  8ይ ዝኾነ "ብሩህ ተስፋ ማሕበር መናእሰይ ማእኸል ኣይሲቲ ኩለመዳይ ሕብረት ስራሕ ማሕበር" ብዝብል ስያመ ብ10 ኣባላት ዝተጣየሸ ማእኸል ኣይሲቲ ንማሕበረሰብ ተወከልቲ ቢሮታት፣ ኣካላት  ምምሕዳር ከተማን ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ኣካላት ማሕበረሰብን ኣብዝተረኸቡሉ ኣብ ከባቢያዊ ምምሕዳር ሰሜን ከተማ መቐለ  ኣብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር ቤት ፅሕፈትን ግልጋሎት መውሃቢ ማእኸልን ብ10/9/2002 ዓም ብድምቀት ተመሪቑ፡፡...Read More

 

ምግፋሕ ኣይሲቲ ዝምልከት ዓውደ ርእይ ኣብ ክልልና ተኻይዱ

ICTheadብደረጃ ሃገር ኣብ ስራሕቲ ኣይ ሲ ቲ (ICT) መሰረት ገይሩ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ርእይ (exhibition) ኣብ ክልልና ኣብ ህንፃ ማእኸላት ንግዲ ቀዳማይ ወያነ ከተማ መቐለ ኣብ ምክያድ ይርከብ፡፡ እቲ ዓውደ ርእይ ኣብ ኣይ ሲ ቲን ካልኦት ውፅኢት ቴክኖለጅን ዝምልከት ኮይኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንግዲ ካብ ማእኸል ሃገርን ክልልን ዝተሳተፍሉ እዩ፡፡ ዕላማ እዚ ዓውደ ርእይ ኣብ ቴክኖለጂ፣ ሓበሬታን ርክብን ግንዛበ ንምፍጣር እንትኾን ሕብረተሰብ ብውፅኢት ቴክኖለጂ ተጠቀምቲ ንምግባር እዩ፡፡ ...Read More